Original Language
Tigrinya
ISBN
978-92-9268-179-1
ISBN (PDF)
978-92-9268-522-5
Number of Pages
182
Reference Number
PUB2023/001/U
Date of upload

17 Feb 2023

Canadian Orientation Abroad Participant Workbook

A pre-departure guide for newcomers to Canada (Tigrinya)

መላለዪ ካናዳ ንኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ ናይ ተሳታፊ መለማምዲ መጽሓፍ
ንሓደሽቲ መጻእተኛታት ካናዳ ናይ ቅድመ-ምብጋስ መምርሒ

ንሓደሽቲ መጻእተኛታት ካናዳ ናይ ቅድመ-ምብጋስ መምርሒ ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ መደብ ናይ (COA) ዌብ ሳይት COA web page ረኣ.

መደብ መላለዪ ካናዳ ንኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ (COA) ብስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ (IRCC) ብገንዘብ ዝምወል ዓለምለኻዊ ተበግሶ እዩ። ብዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ድማ አመታዊ አብአለም ዳርጋ 100 አብዝኾኑ ቦታታት ይትግበር።

መላለዪ ካናዳ ንኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ (COA) ናይ ተሳታፊ መለማምዲ መጽሓፍ፤ ስደተኛታት ቅድሚ ናብካናዳ ምጥያስ ክፈልጥዎ ዝግባዕ ግብራዊ ሓበሬታ ይህብ፣ ስለዚ ብዛዕባ ሓድሽ ህይወቶም ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ውሳነታት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ ብቕልል ዝበለ ቛንቋን ብዓይኒ ብዝርአ መገድን ዝቀረበ ኮይኑ አብ መልእኽቲ ምሕላፍን ምእቃብን ይህግዝ። ስደተኛታት ቕድሚ ምምጻኦም ብኣካል ኣብ ዝግበር መደባትን ገዛእ ርእሶም ኣብ ዘጽንዑሉ እዋን ዝጠቅም መሳርሒ እዮ።

መላለዪ ካናዳ ንኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ (COA) ናይ ተሳታፊ መለማምዲ መጽሓፍ፤ ብስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ (IRCC) ፣ ንስደተኛታት ዚሕግዙ ደጋዊ መገላግልቲ ውድባት፣ field experts ክኢላታት ከምእውን ባዕላቶም ስደተኛታት ብምምኽኻር ዝማዕበለ እዩ።

እዚ መለማምዲ መጽሓፍ ንኸም ምድላው ጕዕዞ ዝኣመሰለ ጕዳያት፣ ኣብ ካናዳ እተገብረ ናይ መጀመርታ ምጥያስን ህይወትን ይሽፍን። እዚ ኸኣ ኣገልግሎት፣ ኣባይቲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ባጀት ምምዳብን መጓዓዝያን የጠቃልል። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እተሰናደወ ሓበሬታ፣ ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ደቀባት ህዝቢ፣ ብዙሕነት ጾታዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መንነትን ኣገላልጻን፣ ጾታዊ ባህርያትን፣ ብዛዕባ ስንኩላን ዝገልጽ ሓበሬታ እውን ሒዙ ኣሎ። ብዘይካዚ ብዛዕባ ድርብነት ቋንቋ ካናዳ ዝገልጽ ክፋልን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ፈረንሳይኛ ተዛረብቲውን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ምሉእ እዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ብዙሕነት፣ መሰላትን ሓላፍነታትን፣ ሕጊ ስድራቤትን ባህልን ዝገልጽ ትሕዝቶ ተጠቓሊሉ ኣሎ።

For more information about the programme, please visit the COA web page.

The Canadian Orientation Abroad (COA) programme is a global initiative funded by Immigration, Refugees and Citizenship Canada (IRCC) and implemented worldwide by the International Organization for Migration (IOM) in about 100 locations annually.

The COA Participant Workbook presents practical information that refugees need to know before they resettle to Canada, so they can make informed decisions about their new life. Information contained in the workbook is presented in simple language and in a visual manner that both conveys meaning and aids in retention. It is a tool used during in-person pre-arrival orientation sessions and during refugees’ self-study.

The COA Participant Workbook was developed in consultation with IRCC, external partner organizations who assist refugees, field experts and refugees themselves.

The workbook covers topics, such as travel preparation, initial settlement and life in Canada, which includes services, housing, health, education, employment, budgeting and transportation. It contains tailored information on mental health, Indigenous Peoples in Canada, diverse sexual orientation, gender identity and expression, sexual characteristics, as well as information about people with disabilities. It also includes a section on the linguistic duality of Canada and information about Francophone communities. Throughout the workbook, content on diversity, rights and responsibilities, family law and cultural norms is included.

  • መምርሒ ኣጠቓቕማ QR ኮዳት
  • ምልክታት
  • ንጥፈታት
  • 1. ሓፈሻዊ መግለጺ ካናዳ
  • 2. መገሻ
  • 3. ድጋፋትን ኣገልግሎታትን
  • 4. መንበሪ ገዛ
  • 5. ጥዕና
  • 6. ትምህርቲ
  • 7. ስራሕ
  • 8. ባጀት ምምዳብ
  • 9. መጓዓዝያ